፭ቱ ኣዕማደ ምስጢር
መእተዊ
ትምህርቲ- ስብከት አይኮነን
ግብሪ ሃዋ 2:37፤ "ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግኤ እሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፡ በልዎም። "
ግብሪ ሃዋ 2:40፤ "ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ደሐኑ፡ እናበለ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዐዶምን።"
ግብሪ ሃዋ 2:42፤ "ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ።"
ትምህርቲ ንድሕነት እዩ
ሆሴእ 4:6፤ ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝኣቤኻ፣ ኣነ ድማ ካህን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ እየ። ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፣ ኣነ ኸኣ ንደቅኻ ኽርስዖም እየ።
ወ.ዮሃንስ 17:3፤ ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።
ኢሳይያስ 53:11፤ ጻማ ነፍሱ ኺርኢ ኺጸግብውን እዩ። እቲ ጻድቕ ባርያ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ኬጽድቕ፡ ኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺጸውር እዩ።
ደረጃ ፍልጠት
እብራውያን 5:12፤ "ከም ምንዋሕ ዘመኑስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም አሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ።"
እብራውያን 5:13፤ "ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን።"
እብራውያን 5:14፤ "ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ።"
እብራውያን 6:1-2፤ "ስለዚ ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሐዲግና፡ ብንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ፡ ብእምነት ብኣምላኽ፡ ብትምህርቲ ጥምቀት፡ ብምንባር ኣእዳው፡ ብትንሳኤ ምዉታት፡ ብናይ ዘለኣለም ፍርዲውን ከም ብሓድሽ መሰረት ኣይንሰርት እሞ ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ።"
ትምህርተ ሃይማኖት ኣብ 3 ይክፈል
- ዶግማ፡ ዘይልወጥ
- ቀኖና፡ ብቅዱስ ሲኖዶስ ክመሓሽ ዝኽእል
- ትውፊት፡ ኣወፈየ -ሃበ ማለት እዩ።
- መጽሓፍ ቅዱስ
- ድሕር ሓዋርያት : ብጹሑፍ ይኹን ብቃል ዝመሃርናኩም ሓዙ
- ትውፊት - ስርዓተ ቤተክርስትያን ማለት ቅጽሪ ቤተክርስትያን ወይኒ ተኸለ ቅጽሪ ውን ገበረላ
ንምንታይ ሓሙሽተ
- 1ይ ሳሙኤል 17:40፤ በትሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብቲ ርባ ኸኣ ሓሙሽተ ልሙጻት ኣእማን ሐርዩ ናብቲ ኺጓሲ ኸሎ ምስኡ ዝነበረ ቚርባበሻን ማሕፉዳን ኣንበሮ። ወንጭፉውን ኣብ ኢዱ ሒዙ ናብቲ ፍልስጥኤማዊ ኣቢሉ ቐረበ።
ዳዊት = ወልድ
ባሕሪ = ጥምቀት
5ቱ ኣእማን = 5ቱ ምስጢራት
በቲ' ሓደደ እምኒ ንጎልያድ ዝሰዓረላ = ምስጢረ ሥጋዌ
- ማቴዎስ 14:17፤ ንሳቶም ከኣ፡ ኣብዚ ብዘይ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ገለ የብልናን፡ በልዎ።
ዮሃንስ 6:9፤ ሓሙሽተ ጐጎ ስገምን ክልተ ዓሳን ዘለዎ ቘልዓ ኣብዚ አሎ። እዚኣተን ግና ንኽንድዚ ዚኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕማ፧ በሎ።
ሓሙሽተ እንጀራ = 5ቱ ምስጢራት
2 ዓሳ = ብሉይን ሓድሽን
በልዑ ወጸግቡ፡
ማቴዎስ 14:20፤ ኵሎም በሊዖም ጸገቡ። እቲ ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ዓሰርተው ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ።
ዮሃንስ 5:2፤ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእብራይስጢ ቤት-ሄስዳ ዚብሃል፡ ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ።
- ዮሃንስ 5:2፤ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእብራይስጢ ቤት-ሄስዳ ዚብሃል፡ ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ።
5ቱ ገበላ = 5ቱ ምስጢራት ናይ ሓምስቱ ፈተና ጾታ ምእመናን ፈውሲ እየን
ካህናት = ትዕቢት
ወራዙት = ዝሙት
ወራዙት ኣንስት = ትውዝፍት
መነኮሳት = ስስዐ
ኣዕሩግ = ፍቅረ ንዋይ
- 1ይ ቆረንቶስ 14:19፤ ግናኸ ንኻልኦትውን ምእንቲ ኽምህርሲ፡ ኣብ ማሕበር እልፊ ቃል ቋንቋ ካብ ዝዛረብ ሓሙሽተ ቃላት በእምሮ ክዛረብ እፈቱ ኣሎኹ።
